From WikiMezmur: Mezmur Lyrics
Jump to navigation
Jump to search
|
ይህ ፡ ጽሑፍ ፡ ገና ፡ አልተረጋገጠም ። እርማቶች ፡ ሊያስፈልጉት ፡ ይችላል ። ከቻሉ ፡ እርስዎ ፡ ያሻሽሉት ።
|
|
|
|
|
ሌሎች ፡ የድሮ ፡ መዝሙሮች (Other Classic Mezmur Lyrics)
|
|
|
ንውርደተይ ፡ ዝዘከርካ ፡ ንንብዓተይ ፡ ዝደረዝካ
ኣምላኽ ፡ ምንጋፈይ ፡ አመስግነካ (2)
የሱስ ፡ ይሓልፍ ፡ ኣሎ ፡ ምስ ፡ ሰማዕኩ ፡ ንኽፍውሰኒ ፡ ዓው ፡ ኢለ ፡ ጨደርኩ
ሰባት ፡ ተንሲኦም ፡ ክገንሑኒ ፡ ንኸይፍወስ ፡ ስቕ ፡ በል ፡ ክብሉኒ
ተጸዊዕካ ፡ የሱስ ፡ ናዝራዊ ፡ ፈዊስካኒ ፡ ዓይነይ ፡ ክርኢ
ከም ፡ ሰብ ፡ ዘይኮነ’ቲ ፡ ባህሪኻ ፡ ኣምላኽ ፡ ምንጋፈይ ፡ አመስግነካ
ነፍሰይ ፡ ንኣምላኽ ፡ ኣመስግንዮ ፡ ዝገበረልኪ ፡ ኣይትረስዕዮ
ሰናይ’ዩ ፡ ሰናይ ፡ ሰናይ ፡ ብሓቂ ፡ እሙን ፡ ኣምላኽ’ዩ ፡ እቲ ፡ ዘፍቀረኪ
ኩላቶም ፡ ንሞት ፡ ፈሪዶምኺ ፡ ዳርባ ፡ እምኒ’ልዒሎም ፡ ክቀትሉኺ
የሱስ ፡ ግና ፡ ክንዳኺ ፡ ደው ፡ ኢሉ ፡ ኣናጊፉኪ ፡ ዕዳኺ ፡ ከፊሉ
ኣምላኽ ፡ ሰማይ ፡ ዓቢ ፡ ነገር ፡ ጌሩልኪ ፡ ነፍሰይ ፡ ብጎይታ ፡ ኣዚዩ ፡ ባህ ፡ ይበልኪ
እቲ ፡ ሓያል ፡ ዓቢ ፡ ነገር ፡ ጌሩልኪ ፡ ኣመስግንዮ ፡ በገናኺ ፡ ኣልዕሊ
ነፍሰይ ፡ ንኣምላኽ ፡ ኣመስግንዮ ፡ ዝገበርልኪ ፡ ኣይትረስዕዮ
ሰናይ’ዩ ፡ ሰናይ ፡ ሰናይ ፡ ብሓቂ ፡ እሙን ፡ ኣምላኽ’ዩ ፡ እቲ ፡ ዘፍቀረኪ
ኣብ ፡ ምድረበዳ ፡ ህያው ፡ ጽላልኪ ፡ ዓይኒ ፡ ማይ ፡ ከፊቱ ፡ ዘተርክሰኪ
ዝኾነ ፡ እዋን ፡ ከይተፈለየ ፡ ይመርሓኪ’ሎ ፡ እናታተየ
ተስፋኺ ፡ ንሱ’ዩ ፡ ደራዝ ፡ ንብዓትኪ ፡ ጸዊዕክዮ ፡ ዝመለሰልኪ
ክብረይ ፡ ተንስኢ ፡ ኣመስግንዮ ፡ ፍቅሩ ፡ እንዳዘከርኪ ፡ ወጋሕታ ፡ ኣንቅሕዮ
ነፍሰይ ፡ ንኣምላኽ (ንጎይታ) ኣመስግንዮ ፡ ዝገበርልኪ ፡ ኣይትረስዕዮ
ሰናይ’ዩ ፡ ሰናይ ፡ ሰናይ ፡ ብሓቂ ፡ እሙን ፡ ኣምላኽ’ዩ ፡ እቲ ፡ ዘፍቀረኪ
|