ዮናታን ፡ ሶሱና _ ኤቨን ፡ ኤዘር (evenezer)

ዮናታን ፡ ሶሶና __ ኤቨን ፡ ኤዘር

አነስ ፡ አይረሳዕኩን ፡ ሕሉፍ: እቲ ፡ ናይ ፡ ትማሊ
ብመን ፡ ድየ ፡ ሰጊረዮ ፡ እቲ ፡ ዓቢ ፡ ቀጸሪ x2

ንቀጽሪ ፡ እንዳዝለለ:ሰራዊት ፡ ዘጥሕስ
ንሱ ፡ እንድዩ ፡ ጌሩኒ ፡ ንቕድሚት ፡ ክግስግስ:ብሓይሊ ፡ ክግስግስ
እብል ፡ አለኹ: ኤቨን ፡ ኤዘር ፡ እዩ ፡ እግዚአብሄር
እብል ፡ አለኹ : ረዲኤተይ ፡ እዩ ፡ እግዚአብሄር x2

ነቲ ፡ ማራ ፡ እንዳመቀረ:ምድረ ፡ በዳ ፡ እንዳለምለመ
ዝኸብደኒ ፡ እንዳቕለለ: ብዘይፈልጦ ፡ እንዳሳገረ x2
አሳጊሩኒ x2 ኤቨን ፡ ኤዘር ፡ አብዚ ፡ አብጺሑኒ
ረዲኡኒ ፡ ተሰኪሙኒ : ስሙ ፡ ይክበር ፡ አብዚ ፡ አብጺሑኒ

እዚ ፡ ዘለክዎ ፡ ሎሚ:አይኮነን ፡ ብሓይለይ
መንፈሱ ፡ ረዲኡኒ:ኮይኑኒ ፡ እዩ ፡ አቅመይ x2

ነንመዓልቲ ፡ ጾር:ጾረይ ፡ እንዳጾረ
ብዓወት ፡ አውጺኡኒ ፡ ሞጎስ ፡ እንዳሃበ : ጸላእተይ ፡ እንዳሕፈረ
እብል ፡ አለኹ: ኤቨን ፡ ኤዘር ፡ እዩ ፡ እግዚአብሄር
እብል ፡ አለኹ : ረዲኤተይ ፡ እዩ ፡ እግዚአብሄር x2

መዓስ ፡ ብሓይሊ:መዓስ ፡ ብክእለት
ተሰጊሩ ፡ እቲ ፡ ከቢድ ፡ ኩነታት
ቅድመይ ፡ እንዳወጸ:አኽራን ፡ ይምድምድ
ብቕቡቕ / ሜዳ ፡ ይገብሮ : መታን ፡ ክሓልፍ ፡ አነ x2

ጽባሕ ፡ ውን ፡ አይጥርጥሮን ፡ እየ: ከስግረኒ ፡ እዩ ፡ ይአምኖ ፡ እየ
ዝጀመሮ ፡ ባዕሉ ፡ ይፍጽም:ጀማሪ ፡ እምነተይ ፡ ንሱ ፡ ይድምድም x2

አሳጊሩኒ x2 ኤቨን ፡ ኤዘር ፡ አብዚ ፡ አብጺሑኒ
ረዲኡኒ ፡ ተሰኪሙኒ : ስሙ ፡ ይክበር ፡ አብዚ ፡ አብጺሑኒ

እብል ፡ አለኹ: ኤቨን ፡ ኤዘር ፡ እዩ ፡ እግዚአብሄር
እብል ፡ አለኹ : ረዲኤተይ ፡ እዩ ፡ እግዚአብሄር x2