፩) ብየሱስ ፡ ክርስቶስ ፡ ክነብር ፡ ሓርየ
ብቕኑዕ ፡ ትብዓት ፡ ከገልግሎ’የ
ብፍታው ፡ ልበይ ፡ ሕጉስ ፡ መንፈሰይ
ምብሳር ፡ ወንጌል ፡ ኢዩ ፡ ሞጎሰይ
ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ፈቃር ፡ መድሓኒ ፡ ንጉስ ፡ ናይ ፡ ህይወተይ
መታን ፡ ከተድሕነኒ ፡ በጃ ፡ ሓሊፍካለ
ካልእ ፡ ጎይታ ፡ ነይብለይ ፡ ዝፋንካ’ዩ ፡ ልበይ
ንብረተይ ፡ ኩሉ ፡ የሱሰይ ፡ ብኣኻ ፡ ክብረተይ
፪) ብጾር ፡ ሓጥያተይ ፡ ኩሉ ፡ ሕፍረተይ
በጃይ ፡ ዝሞተ ፡ ተቕጽዔ ፡ ስለይ
ድምጹ ፡ ሰሚዔ ፡ መስቀል ፡ ኣልዒለ
ዘገርም ፡ ፍቕሪ ፡ ክስዕቦ ፡ ሓርየ
ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ፈቃር ፡ መድሓኒ ፡ ንጉስ ፡ ናይ ፡ ህይወተይ
መታን ፡ ከተድሕነኒ ፡ በጃ ፡ ሓሊፍካለ
ካልእ ፡ ጎይታ ፡ ነይብለይ ፡ ዝፋንካ’ዩ ፡ ልበይ
ንብረተይ ፡ ኩሉ ፡ የሱሰይ ፡ ብኣኻ ፡ ክብረተይ
፫) ኣብ ፡ ቤት፡ ኣብ ደገ፡ ጽምው ፡ በረኻ
ቅዱስ ፡ ሥም ፡ የሱስ ፡ ከበስር ፡ ፈትየ
ስቓይ ፡ መከራ ፡ ሞት ፡ እንተመጸ
መስቀል ፡ ናይ ፡ ክርስቶስ ፡ ከልዕሎ ፡ ሓርየ
ተደጋሚ፦ የሱስ ፡ ፈቃር ፡ መድሓኒ ፡ ንጉስ ፡ ናይ ፡ ህይወተይ
መታን ፡ ከተድሕነኒ ፡ በጃ ፡ ሓሊፍካለ
ካልእ ፡ ጎይታ ፡ ነይብለይ ፡ ዝፋንካ’ዩ ፡ ልበይ
ንብረተይ ፡ ኩሉ ፡ የሱሰይ ፡ ብኣኻ ፡ ክብረተይ