፩) ኣብ ፡ ክንዳይ ፡ መሪር ፡ ሞት ፡ ጠዓምካ ንምድሓነይ ፡ በጃ ፡ ሓለፍካ ኣብ ፡ ውግአይ ፡ ኴንካኒ ፡ ዋልታ ኣብ ፡ ፍርሃተይ’ውን ፡ ጸግዐይ ፡ ኢኻ ተደጋሚ፦ ሓደ ፡ ክልተ ፡ ኢለ ፡ ክጽብጽብ ኩሉ ፡ ሰናይ ፡ ዝገበርካለይ ስብሓት ፡ ንስምካ ፡ ይኹን ፡ እብል ምስጋናኻ ፡ ይመልእ ፡ ልበይ ፪) ከይጠሚ ፡ ከይጸምእ ፡ ብእኽለ ፡ ማይ ከይዓርቕ ፡ ዝባነይ ፡ ብኽዳን ከይዝኽትም’ውን ፡ ብሕብረት ፡ ኣሕዋት ዘዕገብካኒ ፡ ተመስገን ፡ ኣምላክ ተደጋሚ፦ ሓደ ፡ ክልተ ፡ ኢለ ፡ ክጽብጽብ ኩሉ ፡ ሰናይ ፡ ዝገበርካለይ ስብሓት ፡ ንስምካ ፡ ይኹን ፡ እብል ምስጋናኻ ፡ ይመልእ ፡ ልበይ ፫) ኣብ ፡ ዙርያ ፡ ቤተይ ፡ ከም ፡ ሓላዊ ኣብ ፡ ውሽጢ ፡ ቤተይ ፡ ከም ፡ ወላዲ ኣብ ፡ ፈተናይ ፡ ዓወት ፡ ወሃቢ ንተግባር ፡ ኣእዳወይ ፡ ባራኺ ተደጋሚ፦ ሓደ ፡ ክልተ ፡ ኢለ ፡ ክጽብጽብ ኩሉ ፡ ሰናይ ፡ ዝገበርካለይ ስብሓት ፡ ንስምካ ፡ ይኹን ፡ እብል ምስጋናኻ ፡ ይመልእ ፡ ልበይ ፬) ብኣምላኸይ ፡ እሕጎስ ፡ ኢየ ብሓጎስ ፡ ሓዘን ፡ ኩሉ ፡ ግዜ ብፍቓዱ ፡ ኩሉ ፡ ዝሰዶ ኣሜን ፡ ኢለ’ውን ፡ እቕበሎ ተደጋሚ፦ ሓደ ፡ ክልተ ፡ ኢለ ፡ ክጽብጽብ ኩሉ ፡ ሰናይ ፡ ዝገበርካለይ ስብሓት ፡ ንስምካ ፡ ይኹን ፡ እብል ምስጋናኻ ፡ ይመልእ ፡ ልበይ ፭) እንታይ ፡ ኣሎ ፡ ዘሕዝነኒ ኣምላኸይ ፡ ካብ ፡ ዝጓስየኒ ደጊም ፡ ብጥዑይ ፡ መዝሙር ፡ ደሃይ አመስግኖ ፡ ንንጉስ ፡ ሰማይ ተደጋሚ፦ ሓደ ፡ ክልተ ፡ ኢለ ፡ ክጽብጽብ ኩሉ ፡ ሰናይ ፡ ዝገበርካለይ ስብሓት ፡ ንስምካ ፡ ይኹን ፡ እብል ምስጋናኻ ፡ ይመልእ ፡ ልበይ